Tigrinya

ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ምርጫ ክናዋሕ ወሲኑ

ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ምርጫ ክናዋሕ ወሲኑ

ኩልና ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንምንዋሕ ምርጫ ዝቐረበ ሓሳብ ኣካታዒ ኮይኑ ጸኒሑ። “ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምኡ ዘፍቅድ ዓንቀጽ የለን፡ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ” ዝብሉ ከም ወያነ መሰልቱን ዝኣመሰሉ ሓይልታት፡ምርጫ ክካየድ ክደፋፍኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ነቲ ጉዳይ ክምርምር ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ናይ ቅዋም ተርጓሚ ኮሜተ ብዘቕረቦ እማሜ መሰረት፡ ሎሚ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ድምጺ ሂቡ።

በዚ መሰረት፡ ለበዳ ኮሮና ዓለማዊ ስግኣት ኣይኮነን ተባሂሉ ክሳብ ብውድብ ጥዕና ዝእወጅን ቤት ምኽሪ ዳግም ውሳነ ክሳብ ዝህብን ምርጫ ብ9 ወርሒ ክሳብ ዓመት ክናዋሕ ንዝቐረበ እማሜ፡ ቤት ምኽሪ ብ4 ተቓውሞን ሓደ ዕቁብ ድምጽን ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።

Related Posts

Leave a Reply